Norwegian news in Tigrinja

ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ትካል መፍረ መካይን፣ ኣብ ኖርወይ ፋብሪካ መፍረ ኤለትሪክ መካይን ክኸፍት ከም ዝደልን ሓደስቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር ድማ መብጽዓ ከም ዝኣቱን ገሊጹ። እዚ ግን ብጥርጣረ እዩ ዝርአ ዘሎ፣ ምኽንያቱ እቲ ንሰደድ ክጥቀምሉ ዝበሃል ዘሎ ወደብ፣ ንወተሃደራዊ ልምምድ ኔቶ ኣገዳሲ ቦታ እዩ። 
En statlig kinesisk bilprodusent vil bygge elbilfabrikk i Norge og lover nye arbeidsplasser. Men planene skaper uro: Havnen som skal brukes til eksport, er også viktig for Nato-øvelser.

ናይ ቻይና ኤለትሪክ መካይን ኣብ ኖርወይ 29.01.2026

ኖርወጃውያን ካብ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ፣ ፈውሲ ቃንዛ ይወስዱ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ብዙሓት ንኣሽቱ መናእሰይ መዓልታዊ ፈውሲ ቃንዛ ይወስዱ ከም ዘለዉ የብርህ። እዞም መናእሰይ፣ ንፈውሲ ቃንዛ ጥራይ ዘይኮነ ንፈውሲ ጸቕጥን ጭንቀትን’ውን ኢሎም ይወስድዎ ኣለዉ።
Aldri før har nordmenn tatt så mye smertestillende. Nå viser en studie at stadig flere unge tar Paracet hver dag – ikke bare mot smerte, men for å håndtere angst og depresjon.

ፈውሲ ቃንዛ ንምሕካም ጭንቀትን ጸቕጥን 28.01.2026

ዋጋ ኣባይቲ ህንጻታት፣ ካብ ግዜ ኮሮና፣ ካብ 2020 ኣትሒዙ ብኣስታት ዕጽፊ እዩ ወሲኹ ጸኒሑ። ብመሰረት ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ግን፣ ኣብዚ እዋን ዝተረጋግአ እዩ ዝመስል - እዚ ድማ ንትካላት ህንጻታትን ንዓደግትን ጽቡቕ ዜና ኮይኑዎም ኣሎ።
Byggekostnadene for boliger har nesten doblet seg siden koronapandemien i 2020. Nye tall viser imidlertid at prisene nå ser ut til å flate ut – en positiv nyhet både for byggere og boligkjøpere.

ዋጋታት ኣባይቲ ተረጋጊኡ 13.01.2026

መንግስቲ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ስራሕ ክዋፈሩ እዩ ድሌቱ። ሎሚ፣ ኣስታት ፍርቂ ስደተኛታት ጥራይ እዮም ኣብ ስራሕ ተፋሪሮም ዘለዉ - እዚ ድማ ምስ ሓፈሽዊ ህዝቢ ኖርወይ ርኢኻ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብዚ እዋን ሚኒስተር ዕዮን ምውህሃድን፡ ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ናብዛ ሃገር ዝኣተዉሉ ግዜ፣ እቲ ዝወሃቦም ዘሎ ማሕበራዊን ንመንበሪ ገዛን ዝኸውን ሓገዝ ደው ክብል ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ናብ ስራሕ ምእንቲ ክዋፈሩ ንምትብባዕ እዩ።
Regjeringen vil få flere flyktninger i jobb. I dag er litt over halvparten i arbeid – langt færre enn resten av befolkningen. Nå foreslår arbeids- og inkluderingsministeren å fjerne sosialhjelp og bostøtte for flyktninger de fem første årene, for å gjøre det mer lønnsomt å jobbe.

መንግስቲ፣ ንማሕበራዊን ንመንበሪ ገዛን ዝወሃብ ሓገዝ ክቋረጽ ይደሊ 23.01.2026

ሰበስልጣን ኖርወይ፣ ኣስታት 18,500 ስደተኛታት፣ መብዛሕትኦም ካብ ዩክሬን፣ ኣብ 2026 ናብዛ ሃገር ክኣትዉ ትጽቢት ጌሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ማእከላት መቐበሊ ስደተኛታት ዘለወን ዓቕሚ ከዛይዳ ክግደዳ እየን።
Norske myndigheter forventer at 18 500 flyktninger ankommer Norge i 2026, hovedsakelig fra Ukraina. Nå må kapasiteten på mottak økes.

ኖርወይ ብዙሓት ስደተኛታት ክትቅበል ትዳሎ 21.01.2026