መንግስቲ፣ ንማሕበራዊን ንመንበሪ ገዛን ዝወሃብ ሓገዝ ክቋረጽ ይደሊ 23.01.2026

መንግስቲ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ስራሕ ክዋፈሩ እዩ ድሌቱ። ሎሚ፣ ኣስታት ፍርቂ ስደተኛታት ጥራይ እዮም ኣብ ስራሕ ተፋሪሮም ዘለዉ - እዚ ድማ ምስ ሓፈሽዊ ህዝቢ ኖርወይ ርኢኻ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብዚ እዋን ሚኒስተር ዕዮን ምውህሃድን፡ ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ናብዛ ሃገር ዝኣተዉሉ ግዜ፣ እቲ ዝወሃቦም ዘሎ ማሕበራዊን ንመንበሪ ገዛን ዝኸውን ሓገዝ ደው ክብል ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ናብ ስራሕ ምእንቲ ክዋፈሩ ንምትብባዕ እዩ።
Regjeringen vil få flere flyktninger i jobb. I dag er litt over halvparten i arbeid – langt færre enn resten av befolkningen. Nå foreslår arbeids- og inkluderingsministeren å fjerne sosialhjelp og bostøtte for flyktninger de fem første årene, for å gjøre det mer lønnsomt å jobbe.

መንግስቲ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ስራሕ ክዋፈሩ እዩ ድሌቱ። ሎሚ፣ ኣስታት ፍርቂ ስደተኛታት ጥራይ እዮም ኣብ ስራሕ ተፋሪሮም ዘለዉ - እዚ ድማ ምስ ሓፈሽዊ ህዝቢ ኖርወይ ርኢኻ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብዚ እዋን ሚኒስተር ዕዮን ምውህሃድን፡ ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ናብዛ ሃገር ዝኣተዉሉ ግዜ፣ እቲ ዝወሃቦም ዘሎ ማሕበራዊን ንመንበሪ ገዛን ዝኸውን ሓገዝ ደው ክብል ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ናብ ስራሕ ምእንቲ ክዋፈሩ ንምትብባዕ እዩ። Regjeringen vil få flere flyktninger i jobb. I dag er litt over halvparten i arbeid – langt færre enn resten av befolkningen. Nå foreslår arbeids- og inkluderingsministeren å fjerne sosialhjelp og bostøtte for flyktninger de fem første årene, for å gjøre det mer lønnsomt å jobbe.

Oversetter: Samson Tewelde Gebregziabher

ቶርጓሚ: ሳምሶን ተወልደ ገብረግዚኣብሄር

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ኖርወይ ብ ትግርኛ

ኣብ ኖርወይ ሕጽረት ሰብ ሞያ ኣጋጢሙ ኣሎ። ብመሰረት ሓድሽ ዝወጸ ጸብጻብ፣ ድሮ ኣብዘን ዝመጻ 4 ዓመታት 100,000 ሰብ ሞያ ከድልዩ እዮም። ኣብዚ እዋን ዝተፈላለያ ትካላት፣ ኣብ ትሕቲአን ስልጠና ዝወስዱ ተመሃሮ ክምልምላ ይቀዳደማ ኣለዋ።
Norge mangler fagarbeidere. Nye tall viser at behovet er på 100 000 allerede de neste fire årene. Nå drar bedrifter på skoleturné for å sikre seg lærlinger.

ኣብ ኖርወይ 100,000 ሰብ ሞያ የድልይዋ ኣለዉ 29.01.2026

ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ትካል መፍረ መካይን፣ ኣብ ኖርወይ ፋብሪካ መፍረ ኤለትሪክ መካይን ክኸፍት ከም ዝደልን ሓደስቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር ድማ መብጽዓ ከም ዝኣቱን ገሊጹ። እዚ ግን ብጥርጣረ እዩ ዝርአ ዘሎ፣ ምኽንያቱ እቲ ንሰደድ ክጥቀምሉ ዝበሃል ዘሎ ወደብ፣ ንወተሃደራዊ ልምምድ ኔቶ ኣገዳሲ ቦታ እዩ። 
En statlig kinesisk bilprodusent vil bygge elbilfabrikk i Norge og lover nye arbeidsplasser. Men planene skaper uro: Havnen som skal brukes til eksport, er også viktig for Nato-øvelser.

ናይ ቻይና ኤለትሪክ መካይን ኣብ ኖርወይ 29.01.2026

ኖርወጃውያን ካብ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ፣ ፈውሲ ቃንዛ ይወስዱ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ብዙሓት ንኣሽቱ መናእሰይ መዓልታዊ ፈውሲ ቃንዛ ይወስዱ ከም ዘለዉ የብርህ። እዞም መናእሰይ፣ ንፈውሲ ቃንዛ ጥራይ ዘይኮነ ንፈውሲ ጸቕጥን ጭንቀትን’ውን ኢሎም ይወስድዎ ኣለዉ።
Aldri før har nordmenn tatt så mye smertestillende. Nå viser en studie at stadig flere unge tar Paracet hver dag – ikke bare mot smerte, men for å håndtere angst og depresjon.

ፈውሲ ቃንዛ ንምሕካም ጭንቀትን ጸቕጥን 28.01.2026