ኖርወይ፣ ህጻን እንከላ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣጋጢምዋ 22.05.2026

ጓል 10 ዓመት እንከላ እያ ኖርወጅያዊት-ጋናዊት፣ ከኒ ዶግበይ፣ “ምስ ከምዚ ከማኺ፣ ጸለምቲ ሰባት፣ ክዛረብ ኣይደልን እየ።” ዝብላ ቃላት ሰሚዓ። ሕጂ ግና፣ ጓል 18 ዓመት ኮይና፣ ነቲ ዘጋጠማ ተሞክሮ ብምጥቃም፣ ዓሌታዊ-ኣድልዎ ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ብዙሓት ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዎም መናእሰይ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጻ። ኣብቲ ኣብ ዴንማርክ ዝካየድ ዘሎ ኖርዲክ ታለፈስት፣ እቲ ዓቢ ተጽዕኖ ዝፈጠረላ - ብዙሓት ውን ክርድእዎ ዝኽእሉ ታሪኽ ኣካፊላ። 
Som 10-åring fikk norsk-ghanesiske Kenni Dogbey høre ordene: «Jeg snakker ikke med sånne som deg. Sånne mørke.» Nå bruker 18-åringen opplevelsen til å sette ord på hvordan rasisme fortsatt preger mange unge med innvandrerbakgrunn i Norge. På Nordisk Talefest i Danmark forteller hun historien som traff henne – og som mange kan kjenne seg igjen i.

ጓል 10 ዓመት እንከላ እያ ኖርወጅያዊት-ጋናዊት፣ ከኒ ዶግበይ፣ “ምስ ከምዚ ከማኺ፣ ጸለምቲ ሰባት፣ ክዛረብ ኣይደልን እየ።” ዝብላ ቃላት ሰሚዓ። ሕጂ ግና፣ ጓል 18 ዓመት ኮይና፣ ነቲ ዘጋጠማ ተሞክሮ ብምጥቃም፣ ዓሌታዊ-ኣድልዎ ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ብዙሓት ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዎም መናእሰይ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጻ። ኣብቲ ኣብ ዴንማርክ ዝካየድ ዘሎ ኖርዲክ ታለፈስት፣ እቲ ዓቢ ተጽዕኖ ዝፈጠረላ - ብዙሓት ውን ክርድእዎ ዝኽእሉ ታሪኽ ኣካፊላ። Som 10-åring fikk norsk-ghanesiske Kenni Dogbey høre ordene: «Jeg snakker ikke med sånne som deg. Sånne mørke.» Nå bruker 18-åringen opplevelsen til å sette ord på hvordan rasisme fortsatt preger mange unge med innvandrerbakgrunn i Norge. På Nordisk Talefest i Danmark forteller hun historien som traff henne – og som mange kan kjenne seg igjen i.

Oversetter: Samson Tewelde Gebregziabher

ቶርጓሚ: ሳምሶን ተወልደ ገብረግዚኣብሄር

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ኖርወይ ብ ትግርኛ

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ናብ ንኣሽቱ ዝዓለመ፣ ምኽርታት ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣመጋግባን ዝዝርጋሕ ቪድዮታት መሊኡ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ንሰባት ከደናግርን ንጥዕና’ውን ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ነውጺ፣ ኣብዚ እዋን፣ ሰበስልጣን፣ ውሑስ ዝኾነ፣ ዝተሰነደ ፍልጠት ዘለዎን ክእመን ዝኽእል ውሑስ ኣገባብ ከም ዘሎ፣ ወፍሪ ይዝርግሑ ኣለዉ።
Sosiale medier flommer over av trenings- og kostholdsråd rettet mot unge, og mye kan være forvirrende og potensielt helseskadelig. Nå lanserer helsemyndighetene en kampanje som skal vise at det finnes trygg, dokumentert kunnskap man kan stole på – midt i informasjonskaoset.

ነውጺ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣብ ኢንተርነት – ሰበስልጣን ጣልቃ ይኣትዉ 14.05.2026

ክፍሊ ጸጥታ ኖርወይ፣ ነቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ዩክሬናውያን፣ ኣብ ስለያ ንክዋፈሩ ክምልመሉ ፈተነታት ይግበረሎም ከም ዘሎ ዘመልክት ብዙሕ ጉዳያት ከም ዝረኸበ ኣቃሊዑ። ብመሰረት እቲ ክፍሊ ጸጥታ፣ እቶም ዩክሬናውያን፣ ነቶም ኣብ ዩክሬይን ዝነብሩ ስድራቤቶም ጉድኣት ንከውርድሎም ብምፍርራሕን ጸቕጥታት ብምፍጣርን፣ ምስ ሰለይቲ ሩስያ ንክተሓባበሩ ከገድድዎም ይፍትኑ ኣለዉ።
PST har avdekket flere tilfeller der ukrainere i Norge forsøkes rekruttert til spionasje. Ifølge PST brukes press og trusler mot familie som fortsatt er i Ukraina, som en metode for å tvinge dem til å samarbeide med russiske aktører.

ዩክሬናውያን ስለያ ንከካይዱ ክምልምልዎም ይፍትኑ ኣለዉ 13.05.2026

ሓደ ጽምዋ ገዛ ኣብ ኣንዶያ፡ ብልዑል መጠን ዋጋ እዩ ተዓዲጉ። ዝርአ ብርሃን ገዛ ይኹን ወይ ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት የለዉን፣ ግን ብዛዕባ እቲ ገዛ ብዙሕ እዩ ዝውረ። ኣብዚ እዋን፣ ሓንቲ ቻይናዊት ኣብ ልዕሊ ኖርወይ ስለያ ንክካየድ ብምትሕብባር ተኸሲሳ። ካብቲ ገዛ፣ ገለ ኪሎሜተራት ርሕቕ ኢሉ፣ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ቦታታት መወንጨፊ ሳተላይት ኤውሮጳ ይርከብ።
Et stille hus på Andøya, kjøpt for en skyhøy pris – uten lys, uten liv, men fullt av rykter. Nå er en kinesisk kvinne varetektsfengslet, siktet for medvirkning til spionasje mot Norge. Bare kilometer unna ligger et av Europas viktigste oppskytningssteder for satellitter.

ቻይናዊት ብስለያ ተኸሲሳ 14.05.2026