BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ጀርመን፡ ፖሊስ 'ቀታሊ ዮሴፍ' ኢሉ ንዝጠርጠሮ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሉ
ፖሊስ ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ንቐታሊ ወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ንምርካብ ሰፊሕ ጻዕሪ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ በቲ ገበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ገሊጹ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ኡበር 'ተዓሚጸ' ዝበለት ሰበይቲ 8.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተበይኑላ
ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣሪዞና ኽልተ መዓልታት ዝወሰደ መስርሕ ዳንነት፡ ነቲ ከሳሲት ዝሓተተቶ ልዕሊ 144 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ብምንጻግ እዩ ነዚ መጠን ካሕሳ ወሲኑ። ኡበር ብግዲኡ ኣንጻር እቲ ብይን ይግባይ ከም ዜቕርብ ገለጹ'ሎ።
ትራምፕ፡ ንኦባማን ብዓልቲ-ቤቱን ከም ኣህባይ ዝገልጽ ዝለጠፎ ዓሌታዊ ቪድዮ የዘራርብ
ደገፍቲ ትራምፕ ከይተረፉ፡ እቲ ቪድዮ ዓሌታዊ ብምባል ካብቲ ገጽ ክእለ ጸዊዖም እዮም። ተወካሊ ሪፓብሊካውያን ማይክ ላውር ካብ ኒውዮርክ፡ "ኣዝዩ ጌጋን እምብዛ ኣጸያፍን'ዩ፣ ብቕልጡፍ ይቕረታ ክሓትት ኣለዎ፡" ኢሉ። እቲ ቪድዮ ካብ ገጽ ትራምፕ ምስ ተኣልየ'ውን እቲ ነቐፌታ ቀጺሉ እዩ።
ምላሽ ገዱ ኣንዳርጋቸው ንኣቢይ ኣሕመድ እንታይ ይብል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብሰሉስ 03 ለካቲት ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ምትፍናን ንዝፈጠረ" ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእከ ስሙ ዝተረቝሐ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ነበር ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ 'ጻልጣ ሓሶት' ምዃኑ ብምግላጽ ምላሽ ሂቡ።
ካብ ሓራምዝ ክሃድም ብሓርገጽ ዝተቐትለ ገፋፊ ዓሳ
ሰብ መዚ እንስሳ ዘገዳም ድሒሮም ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ኣብዝበጽሕሉ፡ኣብ የማነይቲ ሰለፍ እቲ ገፋፍ ዓሳ ዓሚቝ መንከስቲ ብምርካብ ንጠንቅቲ ነቲ ናብ ሞት ዘብጽሐ ብዝሒ ደም ምፍሳስ ተመልኪቶም።
ብህድኣት እንሰምዖም ጥዑም ቅኒታት ሕማቕ ነገር ክንፍጽም ከም ዝገብሩና ትፈልጡዶ?
'ሙዚቃ ንሰባት ዝያዳ ተማእዘዝቲ፡ ዝያዳ ቁጡዓትን ዋላ'ውን ዓሌታዊ ክገብሮም ይኽእል'ዩ' ክኢላታት።
እቲ ሕሱር መሓዛ ሓያላት፡ ጀፍሪ ኤፕስተይን መን'ዩ?
ኣብ ኒውዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤፕስተይን፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብታ ከተማ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ዳልተን ሕሳብን ፊዚክስን ይምህር ነይሩ። ደሓር ግን ኣብ ዕሙር ጾታዊ ንግዲ ትሕቲ-ዕድመ ቈልዑ ዝተዋፈረ - ክሳብ ገበነኛ ኰይኑ። ካልእ ብዛዕባኡ ዝበሃል'ውን ብዙሕ እዩ፣ እዚ ሰብ ግን መን'ዩ?
ኖርወይ ዝወንጨፈታ ሮኬት ብኸመይ ንዩክለሳዊ ኲናት ክትውልዕ ተቓሪባ ነይራ?
ኖርወይ ብ25 ጥሪ 1995 'ኖርዘርን ላይትስ' (ኣሮራ) ንምጽናዕ ሮኬት ወንጪፋ። ሩስያ ግን ትኽ ኢሉ ናብ ሞስኮ ዘምርሐ ንዩክለሳዊ ሚሳይል ገይራ ብጌጋ ተረዲኣቶ። ዓለም፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝኣክል ግዜ ኣብ ኣዕናዊ ኲናት ከይትወድቕ ሰግአት።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ገዛ ዘይብሎም ስደተኛታት ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ
ሂሊንግዶን ምስ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ብዘለዋ ቅርበት ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቝባ ዝነብሩላ ከተማ እያ።
ቀጥታ, ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ብጠያይቲ ዝቖሰለ ሩስያዊ ጀነራል
ካብ ቀረባ እዋናት ፖለቲካዊ ዝምድናአን ሓርፊፉ ዝጸንሐ ጐረባብቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ እቲ ቅርሕንቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝጀመረ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ንሱ፡ ኣብቲ ንኣባላት ባይቶ ዝሃቦ መብርሂ፡ ውጥጥ ክልአቲን ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ኣፍ-ደገ ባሕሪ እተርእዮ ዘላ ጥሙሕ ስዒቡ ዝመጽአ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣካላት ደቀንስትዮ ብሕቡእ ብምቕዳሕ ዝኸስቡ ዘለው ደቂ ተባዕትዮ
ደቂ ተባዕትዮ፡ ምሸት ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ንዝወጽኣ ደቀንስትዮ ብሕቡእ ቪድዮ ብምስኣል ነቲ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ብምልጣፍ ገንዘብ ይረኽቡ ከም ዘለዉ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ውዕል ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣመሪካን ሩስያን ኣብቂዑ፡ ሓደገኛ ዘበን ዘመልክት ድዩ?
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ውዕል ምቍጽጻር ንዩክለሳዊ ኣጽዋር፡ ሓሙስ 05 ለካቲት 2026 ከብቅዕ ብምዃኑ፡ ሓድሽ ስግኣት ኣልዒሉ ይርከብ።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ፍቕርን ምሕዝነትን ኢራንን ኣመሪካን ዘፍረሰ እንታይ'ዩ?
ኣመሪካን ኢራንን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ተቐናቐንቲ እኳ እንተነበራ፡ ቅድሚኡ ግን መሓዙት እየን ነይረን። ኣብዚ ቪድዮ፡ ገለ ካብቶም ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክፈርስ ዝገበሩ ወሰንቲ ፍጻመታት ዳህሲስና ኣለና። ምፍርራሕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካበይ ከም ዝነቅል ንምርዳእ ክሕግዘኩም እዩ።
ቪድዮ, መራሒ ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮ፡ ብኸመይ'ዩ ተታሒዙ?
ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮን በዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን ብሰኑይ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ገበነኛታት ከም ዘይኮኑ ተማጒቶም። ብመሰረት ጸብጻብ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ማዱሮ ሕጂ'ዉን መራሒ ቬንዙዌላ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብመገዲ ተርጓሚ "ኣነ ንጹህ እየ። ገበነኛ ኣይኰንኩን። ጭዋ ሰብ እየ፡ ፕረዚደንት ሃገረይ እየ፡" ኢሉ። ሰብኣይን ሰበይትን ግን ብኸመይ'ዮም ተታሒዞም?
ቪድዮ, ስቕታ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሶማሊላንድን እንታይ ይእምት?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክትከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልኡላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ ስቕታ ኣዲስ ኣበባ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
ትንታነ
'ሃንግኦቨር'፡ ኣብ ጽባሕ-መስተ ንዘጋጥም ምስልቻው ፍቱን መግቢ ኣሎዶ?
ብሓቂ መግቢ ንሃንግኦቨር ፍቱን ፈውሲ ከከኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር መርትዖ ኣሎ ድዩ? ሳይንስ እንታይ ይብል? ንተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ልቦናን ተመራማሪት ኣልኮላዊ መስተን ዶክተር ሳሊ ኣዳምስ ተወኪስና።
ትግራይ፡ ኣጋንእ መዐደሊ ነዳዲ ጥርሖም ዝገበሮም ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ኣሎ። ናይዚ ሓደ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ካብ ፌደራል ክስደድ ዝግብኦ ቐረብ ብዘይምምልኡ ከም ዝዀነ ሰብ መዚ እቲ ክልል ይገልጹ።
ኣመሪካ፡ ምስተን ምስ ሩስያ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝምድና ጀሚራ ድያ?
ኣመሪካ ምምላስ ዲሞክራሲ ድሕሪ ሕጂ ቀዳምነት ከም ዘይወሃቦን ምስ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ኒጀርን ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃናን ትሕብር።
'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ
ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውስድ እትኽእል ስራሕ'ያ።
ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ሓደ ውዳበ ምጥርናፎም እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ኣብ እዋን ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ዕጡቓት ፋኖ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣንጻር መንግስቲ ክቃለሱ ጸኒሖም'ዮም። ሕጂ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውዳበ ከም ዝተኣኻኸቡ ይገልጹ ኣለው።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጋጊሙ ዘልዕሎ 'ዝሑል ኲናት' እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ይዅን ወግዓዊ መደረታት፡ ንዝሑል ኲናት መእተዊ ክገብር፣ ወይ ንህሉው ዓለማዊ ይዅን ዞባዊ ፖለቲካዊ ዳይናሚክስ ኣተኣሳሲሩ ክዛረብ ብቐጻሊ እዩ ዝስማዕ። እዚ ዝሑል ኲናት ግን እንታይ እዩ? ብዛዕባኡኸ ማዕረ ክንደይ ኢና ንፈልጥ?
ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ብቕዳሕ ዝበፅሓ ደብዳበ ትራምፕ፡ እንታይ ዝብል እዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 8 ጥሪ 2018 [ግ]፡ ትራምፕ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ "ብመንፈስ ውልቃዊ ምሕዝነትናን ኣመሪካ ንሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ግብፂ ዘለዋ ተወፋይነትን" ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ፡ ልዝብ ንምጅማር ከምዝደሊ ገሊፁ ኣሎ።
ስጉምቲ ትራምፕ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምልካውያን ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ጄረሚ ቦወን
ትራምፕ ኣብ ቬነዝወላ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ዓለማዊ ቅልውላው ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንማዱሮ ሒዙ ናብ ኣመሪካ ዝወሰዶ ፍሉይ ሓይሊ 'ደልታ ፎርስ' እንታይ ንፈልጥ?
ደልታ ፎርስ ኣብ 1977 ዝተመስረተ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ኮማንዶ እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዎ ሓያላትን ምስጢራውያንን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ሓደ እዩ። ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ፎርት ብራግ፡ ሰሜን ካሮላይና ኣመሪካ ይርከብ።
ንጥዑይ ግዘ እርጋንና፡ ገና ኣብ 30ታት ዕድመና ክንገብሮም ዘለና ነገራት
ተመራመርቲ፡ እናኣረግና ምስ ንኸይድ ፀገም ጥዕና ምግጣም ዘይተርፍ ነገር ከም ዘይኾነ፡ ሕዚ ልዕሊ ዝኾነ ግዘ ርግፀኛታት እዮም። ብኸመይ ከም ንኣርግ፡ ክንመርፅ ንኽእል ኢና።
ኣቈጻጽራ ዘመን ስለምንታይ ተፈላልዩ፤ ቀንዲ ዝበሃሉኸ ኣየኖት እዮም?
ጐርጎርዮስያዊ (ኣውሮጳዊ) ኣቈጻጽራ ኣብ ስራሕ ዘይውዕለሉ ከባቢ ዳርጋ የለን። እዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብሰፊሑ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ መግዛእቲን ቴክኖሎጅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ንምንታይ'ዩ ኣካታዒ ኰይኑ?
እስራኤል፡ ነታ ካብ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዛ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ክትጽውዕ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኵነኔ ኣስዒብላ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ድሒረን ንውሳነ እስራኤል ዝዀነና ሃገራት ቻይና'ያ። ቻይና ብመንገዲ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ንግዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ዝዀነት ሃገር ንስሱዕ ድሌታት ከተርዊ ክትብል ነቶም ካብ ሓንቲ ሃገር ክንጸሉ ዝደልዩ ከተተባብዕ ኣይግብኣን'ዩ" ኢላ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ትግራይ፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ብወሓስ ከምዝተፈትሐ ተገሊፁ
ቢሮ ሰላምን ፀጠረታን ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ "ቅድም ክብል ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ጉዕሽ ገብረ ካብዙይ ንደሓር ዘሎ ከይዲ ኣብ ደገ ኮይኑ ክከታተል ብዋሕስ ተፈቲሑ 'ሎ" ክብል ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ገፁ ንህዝቢ ኣፍሊጡ::
'ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ጐንጺ ክፍጠር ኣይነበሮን'- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
እቲ ረጽሚ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታታት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ እቶም ጸብጻባት፡ ሓደ ምንጪ ድሕነት፡ "እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ኣሎ፡" ከም ዝበለ ይጠቕሱ።
ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'
ቢቢሲ ኣብ ዙርያ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዳህሳስ ብምግባር፡ ንሓደ ንኣስታት 20 ዓመታት ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ።
ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ዝለዓለ ፍርዲ ተቐቢሉ
እቶም ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከምዝድውሉ ብምግባር፡ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ የገድድዎም ነይሮም። ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ናይቲ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ካብኡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ዘሰጋግር ጕጅለ ቀንዲ መራሒ ነይሩ።
ስለምንታይ'ዩ ናብ ወርቂ 'ጉያ ጉያ' ዀይኑ ዘሎ?
ዋጋ ወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ኦውንስ ልዕሊ 5000 ዶላር ኰይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ 2025 ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 60 % ክብ ክብል ዝተራእየሉ ታሪኻዊ ምዕባለ ምዃኑ ድማ የዛርብ ኣሎ።
ወጻእተኛታት ኣብ ሩስያ ንኽዋግኡ ብኸመይ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ 'ይታለሉ' ነይሮም?
ፖሊና ጓል 40 ዓመት መምህር ነበር ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝመጽኡ መንእሰያት፡ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ንኽጽንበሩ ንምስሓብ፡ ቻነል ቴሌግራም ተጠቒማ ከም እትምልምል፡ መርመራ ቢቢሲ ኣይ የመልክት።
ሶማልያ፡ ንምንታይ'ያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተቘጢዓ?
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብተለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ ኣብ ዘስምዖ ቃል "ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጽቡቕ ርክብ'ዩ ጸኒሑና፣ እንተዀነ ንዓና ከም ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትቀርበና ኣይክኣለትን፤ ጥንቃቐ ዝመልኦ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፡ ነዚ ውሳነ'ዚ ክንወስድ ተገዲድና ኣለና" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግባኣ ብምምጓት፡ ነቲ ኣብ 1993 ብወግዒ ዝተኣወጀ ናጽነትን ልዑላውነትን ኣብ ሕቶ ምልክት ክሳብ ምእታው ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።
ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ። ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኣዛዚ ሓለዋ ማዱሮ ንዝነበረ ጀነራል ኣባሪራ
ንኣዛዚ ጀነራል ሓለዋ ማርካኖ ታባታ ንምትካእ ሓዳስ ግዝያዊት ፕረዚደንት እታ ሃገር ደልሲ ሮድሪገዝ ትእዛዝ ሂባ።
ናብ ሶማሊላንድ ዝበጽሐ እስራኤላዊ ሚኒስተር ቀልጢፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
ቻይና፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብኦም ሓለያ ሃገራትን ውድባትን፡ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ብምዃና ከም ልኡላዊት ሃገር ምፍላጣ ኣብ ሶማልያን እቲ ዞባን ዘይምርግጋእን ኣሉታዊ ኣብነትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](/proxy?url=https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F1ffe%2Flive%2Fbf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


































































